ኣብ እዋን ክራማት ብዝወረዶ ጉድኣት ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ኬሩ-ኢጋዬብፎርቶ ሳዋ፡ ብምውህሃድ ኩባንያ ህንጻ ሰገን፡ ነበርቲን ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን መሰረታዊ ጽገና ይግበረሉ ኣሎ።
እቲ ካልኣይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ስራሕ፡ ምፍዋስ ማይ-ኮዖታትን ምጽራግ ብውሕጅ ዝተበላሸወ ከባቢታትን ከምዘጠቓልል ተሓቢሩ።
እቲ ከባቢ ሰፋሕቲ ሩባታትን ስንጭሮታትን ብብዝሒ ስለዘለዎ፡ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ መካይን ብውሕጅ ተዓጊተን ንሓደጋ ይቃልዓ ከምዝነበራ ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶሳዋ፡ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገማት ፍታሕ ክረክብ እምነቱ ገሊጹ።
ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ድማ ሞጒሱ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ልዕሊ 40 ንኣሽቱን ዓበይትን ናይ ልምዓት ቦታታት ተጸኒዖም ናብ ትግባረ ይሰጋገሩ ከምዘለዉ፡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።