ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድስዒድ፡ ብ20 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ፡ ንኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሃማደኤ፡ ኣብ ህልው ኩነታትን መደባት 2020ን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኤርትራ ካብ 2017 ጀሚራ፡ ሰለስተ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ሓደ ድማ ንዞባ ወጻኢ ዝጠመተ – ኣርባዕተ ናይ ልምዓት ግንባራት ብምቛም ትሰርሕ ከምዘላ ዝገለጸ ኣቶ ኣልኣሚን፡ እቶም ብቐዳምነት ተታሒዞም ክስራሓሎም ዝጸንሐን፡ ኣብ 2020 ብሰፊሑ ዝትግበሩን መደባት፡ ምስራሕ ጽርግያታት፡ ምውሓስ ቀረብ ኣገልግሎት ዝስተ ማይን ሓይሊ ኤለክትሪሲቲን፡ ከምኡ’ውን ህንጸት ኣባይቲ ምዃኖም ገሊጹ።

ካብ 1994 ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ክስርሑ ዝጸንሑ ንኣሽቱ፡ ማእከሎትን ዓበይትን ዲጋታት፡ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት ማይ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበሩ፡ ምስራሕ ትሕተ-ቅርጺ ከዘንቲ ማይ ኣብ መጻኢ እውን ክቕጽል ምዃኑ፡ ኣብነታት ኣሰንዩ ኣረዲኡ።

ራኢ ሃገር ንምስማርን ብሩህ መጻኢ ወለዶታት ንምውሓስን፡ ክብርታት ህዝባዊ ግንባር ምዂስኳስ መሰረታዊ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ኣብ 2020 ኣብዚ መዳይ’ዚ ከምኡ’ውን ኣብ ምስትምሃር ዜግነታዊ ትምህርቲ ሰፊሕ መደባት ተታሒዙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories