ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጽን ምዕዳል ቫይታሚን ‘ኤ’ን ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ሓላፊ ውጥንን ክትትል ለበዳዊ ሕማማትን ኣቶ ጸጋይ ተኸስተ ሓቢሩ።

ኣቶ ጸጋይ፡ ብክታበት ክንከላኸሎም እንኽእል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ብንቑሕ ተሳትፎ ሕብረተ-ሰብን ሓያል ጻዕሪ ሰብ ሞያ ጥዕናን ንምጥፍኦም ዕቱብ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ፡ ኣብ ንፍዮ፡ ቴታኖስን ፖልዮን ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ድማ ውጽኢት ናይቲ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ ነርስ ገብረመስቀል ገብረሂወት ድማ፡ ብ9 ታሕሳስ ብምምሕዳር ከባቢ በጉ ዝጀመረ ክታበት ጸረ ኣንቅጺ፡ ሳላ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሓያል ጐስጓስን ምድላዋትን፡ ከምቲ ዝተመደበሉ ይሰላሰል ከምዘሎ ኣብሪሁ።

እቲ ወፍሪ፡ ኣብ 113 ቀወምቲን 13 ግዝያውያንን ነቑጣታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories