ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ሓመድን ማይን ንምዕቃብ – ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ እናወፈራ፡ ውዱብ ንጥፈታት የሰላሰላ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ሓላፊ ኣሃዱ ቁጠባዊ ልምዓት ኣቶ ወልደየሱስ ተኪኤ፡ ህዝቢ – እቶቱ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምዝምርኰስ ተገንዚቡ፡ ብልዑል ንቕሓት ዘካይዶ ዘሎ ስራሕ፡ ኣብ ምፍዋስ ማይ ክዖታት፡ ምርጋእ ኣከባቢን ምህብታም ትሕተ-ባይታዊ ማይን ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ እዋን ወፈራ ዝርአ ዋሕዲ ናውቲ ማእቶት ቈላሕታ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም።

Categories