ኤርትራ ኣብ መበል 14 ኣኼባ – ዩኔስኮ ተሳቲፋ፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ፍራንክፈርት፡ ሚላኖን ስቶክሆልምን፡ ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም።

ኣብ ቦጎታ – ኮሎምብያ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ በይነ-መንግስታዊ ኮሚተ ምክልኻል ዘይድህሰስ ባህላዊ ውርሻ ትካል ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህልን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ)፡ ልኡኽ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ጸጋታት ዘይድህሰስ ባህላዊ ውርሻ መብርሂ ኣቕሪባ።

ኣብ ኢጣልያ ድማ፡ ካብ ኩለን ጨናፍር ዝተዋጽኡ ኣስታት 60 ኣባላት መንእሰያት ህግደፍ፡ ብ15 ታሕሳስ 4ይ ጉባኤ ውዳቤኦም ኣካዪዶም። ንዝመጽእ ክልተ ዓመት እተገልግል 5 ዝኣባላታ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ድማ መሪጾም።

መንእሰያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ጀርመን ብተመሳሳሊ፡ መበል 12 ዓመት ዑደት ብድሆ ጸምቢሎም።

ኣብ’ቲ መደብ፡ ኣቦ-መንበር መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጀርመን ኣቶ ሃብቶም ኣርኣያ፡ ኣብዚ ሓድሽ መዋእል፡ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ መንእሰይ ሃገራዊ መንነቱ፡ ክብርታቱ፡ ታሪኹን ባህሉን ዓቂቡ ክቕጽልን ንቕሓቱ ከበርኽን ኣዘካኺሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ዝተወደበ መደብ፡ ስንኩላን ወገናቶም ንምሕጋዝ መብጽዓኦም ኣሐዲሶም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣታዊኡ ንመማዕበሊ ፕሮጀክትታት ስንኩላን ዝውዕል፡ ብተቐማጢት ኖርወይ ወይዘሮ ሄለን የሹዋ ዝተዳለወ ኢደ-ስርሓት ብመልክዕ ጨረታ ተሸይጡ።

Categories