ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ደቂኣንስትዮ ዘዳለዋኦ ምርኢት ኢደ-ስርሓት፡ ትማሊ 20 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተኸፊቱ።

እቲ ኣብ ኣፍ-ደገ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል ዝተኸፍተ ምርኢት፡ ስርሓት ውጽኢት ቈርበት፡ ዕንጸይቲ፡ ፈትሊ ላኻን ካልእን ዘጠቓለለ እዩ።

እቲ ምርኢት፡ መቐጸልታ ናይቲ ብምምሕዳር ዞባ ማእከልን ጨንፈር ሃማደኤ ዞባ ማእከልን፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ክውደብ ዝጸንሐ ምርኢታት እዩ።

ካብ ወደብቲ ናይቲ ምርኢት ስነጥበባዊት ንግስቲ ገብረመስቀል፡ ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ፍልይ ዘብሎ፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ናውቲ፡ ኣብ ከባቢኻ ብዝርከብ ጥረነገራት ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ጸጋታትን ባህልን ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምልላይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊጻ።

እቲ ምርኢት፡ ክሳብ 31 ታሕሳስ ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ከምዝጸንሕ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories