ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣግራብ ብዘይፍቓድ ናይ ምቑራጽ ተርእዮታት ይቀላቐል ስለዘሎ፡ ነዚ ንምግታእ ብውህደት ክስራሕ ጻውዒት ቀሪቡ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ ብ17ን 18ን ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ገምጋም ንጥፈታት ሕርሻን ልምዓት ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብርሰት ኣግራብ የሰክፍ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።
ሎሚ ዓመት ዝሓሸ ክራማት ከምዝነበረ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃይለሚካኤል፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ112.4 ሚሊ-ሜተር ዝዛይድ መጠን ዝናብ ከምእተመዝገበ ሓቢሩ።
ኣብቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ብጨናፍር ሃብቲ እንስሳ፡ ልምዓት ብቚሊ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን፡ ዞባዊ ኣገልግሎት ቁጽጽር፡ ከምኡ’ውን ብበዓል ስልጣን ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ብኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻባት ቀሪቡ።
ኣብ’ዚ ዓመት፡ ካብ ዝተሓርሰ 25,313 ሄክታር፡ እቲ 24,838 ሄክታር ከምእተዘርአ፡ ብወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት 86 ሄክታር መሬት ከምእተፈወሰ ድማ ተጠቒሱ።
ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ብደረጃ ሚኒስትሪን ዞባን ዝወጹ መደባት፡ ናብ ታሕቲ ብምውራድ ተግባራውነቶም ዕቱብ ምክትታልን ምቁጽጻርን ክግበረሎም ተላብዩ።