ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ፡ ስድራ ስዉኣት ንምንባይ ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ 17 ጽጉማት ስድራ-ስዉኣት ንምድጋፍ፡ 102 ሽሕ ናቕፋ ኣበርኪቶም።

እቲ ገንዘብ፡ ናይ ሓደ ዓመት ሓገዝ – ንነፍሲ-ወከፍ ስድራ ሽድሽተ ሽሕ ናቕፋ ከምእተዋህበ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ፡ እነስተማቕሮ ዘሎና ሰላምን ቅሳነትን ሳላ ስዉኣትና ዝተረኽበ ምዃኑ፡ ሕድሮም ንምፍጻም ከኣ ዜግነታዊ ግዴታ ከምዘሎና ኣገንዚቡ።

ኣቶ ዑመር፡ እቶም ሰራሕተኛታት ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሞጒሱ።

Categories