ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ፡ ካብ 15 ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት ይወሃብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ሓቢሩ።

እቲ ወፍሪ ብወግዒ ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ዶክተር ኣማኒኤል፡ እቲ መደብ – ኣብ ክሊ ዕድመ ሓደ ክሳብ 30 ዓመት ንዝርከቡ 70 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ንምኽታብ ምዃኑ፡ ጐድኒ-ጐድኑ እውን ንትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ቫይታሚን “ኤ” ከምዝዕደል ገሊጹ።

እቲ ናይ ክታበት መደብ፡ ኣብ ኣስታት 70 ቀወምቲ ትካላት ጥዕና፡ 1,230 ግዝያዊ መኽተቢ ነቑጣታት፡ ከምኡ’ውን ብኣጋር ኣብ ዝብጻሕ 20 ቦታታት ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ካብ ሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ዝተዋጽኡ ልዕሊ 200 ጉጅለታት ሞያውያን ሕክምና፡ ነናብ ዝተመደበሎም ቦታ ተዋፊሮም ስራሖም የሰላስሉ ከምዘለዉ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ፡ ብፍላይ ድማ ወለዲ ኣገዳስነት ናይ’ቲ መደብ ብዝግባእ ተገንዚቦም፡ ደቆም ብተገዳስነት ከኽትቡ ኣዘኻኺሩ።

Categories