ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ጥዕናን ምምሕዳር ንኡስ ዞባን ውጽኢታዊ ህዝባዊ ከባብያዊ ጽሬት ይካየድ ኣሎ።
ብደረጃ ንኡስ ዞባ ዝቘመት ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ 101 ዓዲታት ብዘካየደቶ ጐስጓሳት፡ ዛጊት 39 ዓዲታት ንጽህና ከባቢ ከምዝኣወጃ፡ ሓላፊ ከባቢያዊ ጥዕና መንእሰይ ዳኒኤል ኪዳነ ሓቢሩ።
ዳይረክተር ሆስፒታል ኣቑርደት ዶክተር ወልዱ ዮውሃንስ ድማ፡ ሳላ ዕቱብ ጐስጓሳትን ንጥፈታትን ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምዝነከየ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ኣቶ ኢሳቕ ጥዑም፡ ጽሬት ከባቢ – ሱታፌ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ከምዝሓትት ኣተሓሳሲቡ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ብደረጃ ዞባ 251 ዓዲታት ከባብያዊ ጽሬት ከምዝኣወጃ ተሓቢሩ።