ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ልኡል ፈይሰል ቢን ፋርሓን ተራኺቡ ዘትዩ።
ትማሊ 19 ታሕሳስ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ብገስጋስ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ስዑድያን ስትራተጂካዊ ሽርክነት ንምህናጽ ዝዓለመ – ካብ ዝሓለፈ ዓመት እናማዕበለ ዝመጸ ዝምድናታት ዘለዎም ዕግበት ብምግላጽ፡ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ኣብ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ፡ ኣብ ጽላታት ንግድን ወፍሪን ድማ ብፍላይ ንምዕዛዝ ኣብ ዘኽእል ዛዕባታት ዘትዮም።
ብዘይካ’ዚ፡ ሓባራዊ ዞባዊ ሓደጋታት ንምቅላስ ዝካየድ ጻዕሪ ንምሕያል ተሰማሚዖምን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦምን።
ኣብ መወዳእታ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ልኡል ፈይሰል ቢን ፋርሓን፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ክገብር ንዝቐረበሉ ዕድመ ተቐቢሉ።
ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑድያ፡ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር፡ ብወገን ስዑድያ ድማ ዝተፈላለዩ ሰብ-መዚ ተሳቲፎም ነይሮም።
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ምስ ስቴት ሚኒስተር ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓድል ኣልጁቤር፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባታት ዘትዩ።