ፈጻሚት ሽማግለ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኣ – ብ16ን 17ን ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ኣካዪዳ።

ኣብ’ቲ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝመጻ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ዝተረኽባሉ ኣኼባ፡ ማሕበር ኣብ 2019 ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ካልእን መዳያት ዝዓመሞ ስራሓት፡ ዝተጨበጠ ዓወታትን ዝተሰግረ ብድሆታትን ብዝርዝር ብመልክዕ ጸብጻብ በብዞባኡ ቀሪቡን ተዘትዩሉን።

ጽምብል ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ፡ ሓደ ካብቶም ዝተዓሙ መደባት ምንባሩ ክጥቀስ እንከሎ፡ ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ንምዕባይ፡ ውዳበታት ንምስፋሕን ንምድልዳልን፡ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ንምምልማል ዝተኻየደ ጻዕርን ኣድማዕነቱን፡ ከምኡ’ውን ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዝተኻየደ ጐስጓሳትን ዝተረኽበ ውጽኢትን፡ ብኣሃዝ ዝተሰነየ መብርሂ ቀሪቡ።

ተሳተፍቲ ኣብቲ ጸብጻባት ድሕሪ ዘካየድኦ ዘተ፡ መደባት 2020 ብኣድማዕነት ንምትግባር ዝሕግዝ ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣቕሪበን።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ማሕበር ነዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ዝበቅዕ ሓይልን ንቕሓትን ደቂ-ኣንስትዮ ንምድላብ፡ ውዳበታቱ ኣሐዪሉን ዓቕሚ ኣባላቱ ኣበሪኹን፡ ኣብ ቁጠባዊ ሕውየት ሃገር ኣበርክቶ ክገብር ከም ወትሩ ድሉው ከምዘሎ ገሊጻ።

ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣስታት 350 ሽሕ ምዝጉባት ኣባላት ኣለዋኦ።

 

Categories