ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ኣብ ልግሲ ደም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዕብየት ዘርኢን ብኣብነት ዝጥቀስን ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ፡ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ደም ሓላፊ ኣገልግሎት ልግሲ ደም ገሊጹ።
ኣቶ መሓሪ ኣብርሃም፡ ካብ 9 ክሳብ 14 ታሕሳስ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ብዝተገብረ ወፍሪ፡ ተመሃሮን መማህራንን 554 ከረጺት ደም ከምዝለገሱ ሓቢሩ።
ጐድኒ-ጐድኒ እቲ መደብ ልግሲ ደም፡ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ልግሲ ደም ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከምእተዋህበ ተፈሊጡ።
ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርትን ኣባል ኮሚተ ልግሲ ደምን ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ መምህር ርግበ ክፍለ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ልግሲ ደም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ – ውጽኢት ናይ’ቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ጐስጓሳት ምዃኑ ገሊጻ።