ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን – ዳይረክተር ማእከል ፈተና ዶ/ር ብስራት ገብሩ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንዝከታተሉ ዘለዉ ኣባላት መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሰሚናር ኣካዪዳ።

ኣብ’ቲ ናይ 14 ታሕሳስ ሰሚናራ – ዶክተር ብስራት፡ ኣብ ኣገባባት መርመራ፡ ተመሃሮ ኣብ ግዜ መርመራ ክኽተልዎ ኣብ ዝግባእ መምርሒታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቅጥዕታት ኣመዳድባ ተመሃሮ ናይ ዝሓለፈ እዋን. . . ሰፊሕ ሓበሬታ ሂባ።

እቶም ተመሃሮ፡ ኣብ’ቲ ዝጽበዮም ዘሎ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ክዕወቱ – ኣበርቲዖም ክጽዕሩን ምድላዋቶም ብኣጋ ከጻፍፉን ድማ ኣዘኻኺራ።

እቲ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ዝወሃብ መፈተሺ ፈተና፡ ዓቕሚ ተመሃሮ ንምልላይ ብምዃኑ – ዓቢ ሓገዝ ከምዘለዎ ዝጠቐሰት ዶክተር ብስራት፡ ተመሃሮ ዘለዎም ጥጡሕ ባይታ ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል፡ ግዜኦም ብዝግባእ ከመሓድሩ ኣተሓሳሲባ።

Categories