ሓረስቶት ባዳ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ውሕጅ ኣብ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ዘውርዶ ዘሎ ከቢድ ሃስያ፡ ዘላቒ ፍታሕ ክረክብ ዝምልከቶ ኣካል ክተሓባበሮም ጸዊዖም።
እቶም ሓረስቶት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ’ቲ መእለዪ ውሕጅ ብዘጋጠመ ዕንወት ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ከምእተባሕጎጐ፡ ዓመት መጸ ድማ እቲ ሓደጋ ከምዘሎ ብምሕባር፡ እቲ ንምጽጋኑ ዝካየድ ጻዕርታት ማሽነሪ ስለዝሓትት፡ ምምሕዳር ዞባን ሚኒስትሪ ሕርሻን ፍታሕ ከናድዩሉ ተላብዮም።
ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ከባቢ ባዳ፡ ኣቶ ዑመር ሳልሕ ብወገኑ፡ ምጽጋን መእለዪ ውሕጅ ራጋሊ ልዕሊ ዓቕሚ ሓረስቶት ምዃኑን፡ ቈላሕታ የድልዮ ከምዘሎን ኣገንዚቡ።
መሰረታዊ ጽገና ምስ ዝግበረሉ፡ ልዕሊ 1200 ሄክታር ናይ ምልማዕ ተኽእሎ ከምዘለዎ፡ ኣቶ ዑመር ኣዘኻኺሩ።