ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019፡ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ዓሰብ ገምጋም ኣካዪዱ።
ሓለፍቲ ትምህርቲ ንኡሳን ዞባታትን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣብ’ቲ ፈተና – ካብ 11 ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ 716፡ ካብ ቤት-ትምህርቲ እዚ ምብራቕ ድማ 152 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝተሳተፉ፡ ልዕሊ 73 ሚእታዊት ድማ ከምዝሓለፉ ተገሊጹ።
ሎሚ ዓመት ናይ ዝሓለፉ ተመሃሮ ቊጽሪ፡ ምስ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ከምዝነከየ፡ ብኩራት መማህራንን ተመሃሮን ከምኡ’ውን ትሑት ምክትታል ወለዲ ድማ – ካብ ቀንዲ ጠንቂታት ምንባሮም ተፈሊጡ።
ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ፡ ኣብ መባእታ 31.7 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 26.3 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ 22.7 ሚእታዊት ከምዘሎ፡ ነዚ እናነከየ ዝመጽእ ዘሎ ተሳትፎአን ንምዕዛዝ እምበኣር – ክስራሓሉ ከምዝግባእ ተዘሪቡሉ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ንምትብባዕ፡ ወለድን ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ብዕቱብ ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።