ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ስራሓት ኦዲት ንምሕያልን ብወገን ትካላት መንግስቲ ክውሰድ ኣብ ዝግብኦ ስጉምትታት ንምዝታይን፡ ብ17 ታሕሳስ ምስ ሓለፍቲ ምምሕዳርን ፋይናንስን ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ኦዲት መንግስታዊ ባጀታዊ ኣሃዱታት ርክብ ኣካዪዱ።
ንኣድማዕነት ኦዲት፡ ምጽፋፍ ባጀታዊ ስርሓትን ምቕራብ ጽፉፍ ጸብጻብን፡ ኣገዳስነት ሕጋዊ ሰነዳት ኣታዊታትን ወጻኢታትን፡ ከምኡ’ውን ጽፈት ቅብሊታት ኣብ መስርሕ ናይቲ ዓመታዊ ዝካየድ ናይ ኦዲት ስራሕ ድማ መብርሂ ተዋሂቡዎ።
ጠቕላሊ ኦዲተር ኣቶ ገብረዝጊኣብሄር ገብረመድህን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ትካል ዘሎ ሕጽረታት ንምምላእ፡ ትግባረ ንትካላት ዝወሃብ ለበዋታት ንምርግጋጽን ድኽመታት ኣለሊኻ ንምእራሙ ዝሕግዝ ሓሳባት ንምሃብን – ዝዓለመ ርክብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ክመሓየሽ ዝግብኦ ስርዓተ ፋይናንስ ንምምሕያሽ መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ንጥፈታት ክኢላታት ውሽጣዊ ኦዲተርን ፋይናንስን ንምውህሃድን ዝርአ ጸገማት ንምፍታሕን ብወገን ቤት-ጽሕፈቶም ንዘሎ ቅሩብነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ መንግስታዊ ባጀታዊ ኣሃዱታትን ኦዲተራትን ብሓባር ንሓደ ዕላማ ዝሰርሑ ተመላላእቲ ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ጨረታታት ሕጋዊ መስርሕ ክኽተል፡ ብልቓሕ ዝተዋህበ ገንዘብ ኣብ ግዜኡ ክእከብ፡ ንብረት ብመልክዕ ዋጋ ተተሚኑ ጸብጻብ ክቐርበሉ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ብሰፊሑ ተዘትዩሎም።
ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ መስርሕ ምእኩል ዕድጊ – ትካላት ብዝደልያኦ ኣገባብ ኣብ ግዜኡ ክፍጸም፡ ንክኢላታት ፋይናንስን ዝምልከቶም ሓለፍትን ስልጠናታት ክውደብ. . . ዝብሉ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎም።