ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ ሰሙን ዑደት ንምክያድ ኣስመራ ንዝኣተወ፡ ብሚኒስተር ደኤታ ባህልን ቱሪዝምን ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝተመርሐን፡ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓቘፈን ልኡኽ ባህሊ ኢትዮጵያ፡ ብ16 ታሕሳስ ኣብ ሆቴል ኣስማራ-ፓላስ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን፡ ከምኡ’ውን ዕዱማትን ማሕበረ-ሰብ ባህልን ስነ-ጥበብን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ባህላዊ ምልውዋጥ፡ ኣብ ምርኢታዊ ጥበብ ከይተወሰነ፡ ኣብ መንጎ ባህላዊ ትካላት ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ዘዕቢ ቀጻሊ ርክባት ብምክያድ፡ ተመኵሮታት ንምልውዋጥ ዝሕግዙ ሃብታም መደባትን ኣጋጣሚታትን ብምስራዕ ከምዝስራሓሉ ገሊጹ። እቲ ቅሩብነት ተረጋጊጹ ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

ሚኒስተር ደኤታ ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት፡ እዚ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ግዜ ምድላዋት ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ባህላዊ ዑደት፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ባህላዊ ዑደት ንምልውዋጥ፡ ኣቐዲሙ ብጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ዝተጀመረ መደብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ርክባት ክልቲአን ሃገራት፡ ብማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት ኪኖ’ዚ በርቲዑ ክቕጽል ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ፡ ነቲ ጉጅለ ባህሊ ህያባት ኣበርኪቱ።

ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ተስፋይ በርሀን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮምን፡ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ባህላዊ ምልውዋጥ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታት ብቐሊል ከምዘይጥመት ገሊጾም።

Categories