ብሚኒስተር ደኤታ ባህልን ቱሪዝምን ወ/ሮ ብዙነሽ መሰረት ዝተመርሐን፡ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓቘፈን ልኡኽ ባህሊ ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንምክያድ ትማሊ16 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ።
እቲ ካብ ሚኒስትሪ ባህልን ቱሪዝምን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሃገራዊ ትያትር፡ ፍሉጣት ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ዘጠቓልል ጉጅለ፡ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ቀዋሚ ተጸዋዒ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፡ ኣምባሳደር ፈደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ሪድዋን ሑሴን፡ ከምኡ’ውን ማሕበረ-ሰብ ባህልን ስነ-ጥበብን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።
እቲ ጉጅለ ክሳብ 24 ታሕሳስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ብኤሪ-ቲቪ ዝፍኖ ምርኢት ኣብ ከተማታት ከረን፡ ባጽዕን ኣስመራን ከቕርብ እዩ።
ኣቐዲሙ፡ ኣባላት ሃገራዊ ጉጅለ ያታ ‘ስብሪት’ን ወናማት ገዳይምን መንእሰያትን ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኤርትራ፡ ኣብ ለካቲት 2019 ኣብ ኢትዮጵያ ‘ባህላዊ ዑደት ንሰላም’ ምክያዱ ይዝከር።
ኣብ’ቲ ናይ 10 መዓልታት ዑደት፡ ኣብ ከተማታት ኣዲስ-ኣበባ፡ ባህርዳር፡ ኣዳማን ሃዋሳን ሙዚቃዊ ምርኢት ኣቕሪቡ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝኸተማኦ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘጠቓልል ታሪኻዊ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’፡ ኣብ መንጎ ክልቲን ሃገራት ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕብባር ክህሉ ዝብል እዩ።