ኣባላት ሃማደኤ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ኣብ ምህናጽ ሓድሽ ጽርግያ ዓዲዃላእንዳገርግስ ንዝነጥፉ ዘለዉ ኣባላት ኩባንያ ብድሆን ሓይልታት ምክልኻልን ኣተባቢዐን።

እተን ብ12 ታሕሳስ ናብቲ ቦታ ዝበጽሓ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዕላማ ዑደተን ነቲ ልምዓታዊ ስራሕ ንምዕዛብን ኣብቲ ዕማም ተዋፊሮም ንዘለዉ ሞራል ንምሃብን ምዃኑ ሓቢረን። ንሞያዊ ብቕዓትን ተወፋይነትን ናይ’ቶም መንእሰያት ድማ ሞጒሰን።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ሰናይት ኣፈወርቂ፡ እቲ መስመር ንማሕበረ-ቁጠባዊ ንጥፈታት ህዝቢ ብሓፈሻኡ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ዓቢ ረብሓ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጐድኒ እቶም ጀጋኑ ልምዓት ከምዘለዋ ገሊጻ።

ካብ ዓዲ-ዃላ፡ ብዓዲ-ኾተዮ ኣቢሉ ናብ እንዳገርግስ ዝወርድ ጽርግያ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚን ዘይምቹእን ኮይኑ ብምጽንሑ፡ እዚ ሓድሽ ጽርግያ ክስራሕ ከምእተወሰነ ዝሓበረ – ኣብ ኩባንያ ብድሆ ሓላፊ ፕሮጀክት ክንክን ትሕተቅርጺ ኣቶ ዑቕባይ ገብረሚካኤል፡ ዛጊት ዓቢ ስራሕ ተዓሚሙ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ሞያውያን፡ ብህዝቢ ዝግበረሎም ዘሎ ምትብባዕ፡ ንዝያዳ ስራሕ ዝድርኾም ምዃኑ ሓቢሮም።

Categories