ኣብ ኢጣልያ፡ ኣመሪካን ጀርመንን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንስድራ ስዉኣት ዝውዕል 35 ሽሕን 257 ዩሮ፡ 1,900 ዶላር ኣመሪካን 30 ሽሕ ናቕፋን ደገፍ ገይሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ኢጣልያ – ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮማት ኣብ ሚላኖ፡ ቦሎኛ፡ ፓርማን ቨሮናን 21 ሽሕን 201 ዩሮ፡ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራውያን ኣብ ሮማ፡ ፊረንዘ፡ ናፖሊ፡ ካታንያ፡ ባሪን ፒዛን ድማ 10 ሽሕን 756 ዩሮ፡ ከምኡ’ውን ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ገብሪኤል ኣብ ፖርትላንድ ኦረጎን – ኣመሪካ 1,900 ዶላር ኣመሪካ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣበርኪቶም።
ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ወረዳ ኤስሊንገን – ጀርመን ን13 ስድራ ስዉኣት ንክልተ ዓመት ንምንባይ ዝወሰድዎ ተበግሶ ድሕሪ ምፍጻም፡ ተወሰኽቲ 10 ስድራ ስዉኣት ንምንባይ 3 ሽሕን 300 ዩሮ፣ ካልኦት ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን እውን፡ 13 ስድራ-ቤት ስዉኣት ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምንባይ፡ ከም መቐጸልታኡ 3 ስድራ-ቤት ስዉኣት ንምንባይ 30 ሽሕ ናቕፋ ኣታዊ ገይሮም።
ብኻልእ ወገን፡ ሰራሕተኛታት ፈብሪካ ቸሜንቶ ኤርትራ፡ ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ንምሕጋዝ ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ 36 ሽሕ ናቕፋ ብምውጻእ ን6 ስድራቤታት ንነፍሲ-ወከፈን 6 ሽሕ ናቕፋ ኣ በርኪቶም።
ብ11 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምርካብ ስነ-ስርዓት፡ ኣካያዲ ስራሕ’ታ ፋብሪካ ኣቶ ወልዳይ ኪዳነ፡ እቲ ነተን ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሕርጊጎ ዝርከባ ስድራቤታት ዝተገብረ ደገፍ፡ ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት እውን ከምዝቕጽል ገሊጹ።