ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ካፕቴን መሓሪ መብራህቱ፡ ምስ ነበርቲ ጋሕቴላይ፡ ኣብ ሜላታት ምክልኻል ገበናትን በደላትን ዘትዩ።

“እቲ ቀዳማይ ሜላ ምክልኻል – ኣፍልጦ ሕጊ ምህላው እዩ” ዝበለ ካፕቴን መሓሪ፡ ብፖሊስ ዝውደብ ኣስተምህሮታትን ዝካየድ ጐስጓሳትን – ነዚ ዝዓለመ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ብተገዳስነት ክሳተፎ ኣዘኻኺሩ።

ካፕቴን መሓሪ፡ ብክብርታት ሕብረተሰብ ምምልላስ፡ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ምምሕልላፉን ምዕቃቡን እውን፡ ገበናት ንምጽያፍን ንምክልኻልን ሓጋዚ ምዃኑ ብምምልካት፡ ሓሓሊፎም ብመንእሰያት ዝረኣዩ ገበናት ንምግታእ ተሳትፎ ህዝቢ ክዓዝዝ ተላብዩ።

መርማሪ ሓደጋታት ትራፊክ ኣብቲ ንኡስ ዞባ፡ መብራህቱ ረድኢ እውን፡ መስመር ኣስመራ-ባጽዕ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ዝረኣየሉ መስመር ብምዃኑ፡ መራሕቲ መካይን ብጥንቃቐ ክመላለሱ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ’ቲ መስመር ብዘጋጠመ ሓደጋታት ትራፊክ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ፡ ኣስታት 40 ሰባት ኣካላዊ መጉዳእቲ ወሪድዎም፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ናቕፋ ዝግመት ንብረት ዓንዩ – ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ ትራፊክ።

Categories