ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ – ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ንዝተዋጽኡ 25 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 46 ክኢላታት ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ኣብ ምሕደራ ምህርቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ስልጠና ሂቡ።

እቲ ካብ 9 ክሳብ 13 ታሕሳስ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቐጸለ ትምህርቲ፡ ኣብ ባህርያት ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ሜላ ኣተኣኻኽባ ምህርቲ፡ ቅድምን ድሕርን ምእካብ ምህርቲ ክግበር ኣብ ዝግብኦ ጥንቃቐን ካልእን ዘተኰረ እዩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ የዕብዮ ተወልደ፡ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት፡ ብሰንኪ ዘይግቡእ ኣተኣኻኽባ፡ ኣተሓሕዛን ኣተዓቓቕባን፡ ካብ 25 ክሳብ 50 ሚእታዊት ምህርቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ናብ ተጠቃሚ ህዝቢ ከይበጽሐ ከምዝበላሾ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሰልጠንቲ፡ ብጉጅለታት ተመቓቒሎም ኣብ ከተማ መንደፈራ ናብ ዝርከብ ዕዳጋታትን ጀራዲንን ዑደት ብምግባር – ዝተዓዘብዎ ብመንጽር’ቲ ዝተማህርዎ ዝገልጽ ትዕዝብታዊ ዘተ ኣካይዶም።

እቲ ትምህርቲ፡ ኣብ’ቲ ውሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምርግጋጽ ድማ፡ ቀጻልነት ክህልዎን ኣብነታውያን ሓረስቶት ክሳተፍዎን ኣዘኻኺሮም።

Categories