ሃገራዊ ማሕበር ሞያውያን ስነምድርን መሃንድሳት ዕደናን ኤርትራ፡ ትማሊ 14 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ‘ሃኮሰኤ’ መስራቲ ጉባኤ ብምቅናዕ፡ 5 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ መሪጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማዕድን ኣቶ ኣለም ክብረኣብ፡ ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሞያውያን ስነ-ምድሪ፡ ብቑጽሪ ውሑዳት እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ፈስቲቫል ቦሎኛ እናተራኸቡ ኣበርክቶኦም ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዛዕባ ዘዕዝዙሉ መንገዲ ይዝትዩን ተበግሶታት ይወስዱን ምንባሮም ብምሕባር፡ ምስረታ ማሕበር ተደናጒዩ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ እዋናውን ደራኺን ተራ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

ብድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ንድፊ ቅዋም ማሕበርን ትሕዝቶ ዓንቀጻቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣካያዲት ኣካልን ቦርድ ኣማኸርቲን ብሰፊሑ ዘትዮም።

ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ’ቲ ጉባኤ፡ ዶክተር ሰይፈ ብርሃነ ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ዕላማ ማሕበር ንምስማር – ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሞያውያን ማሕበራትን ኣካላት መንግስቲን ብውህደት ክስራሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኮሌጅ ማይ-ነፍሒ ተሓጋጋዚት መምህር መንእሰይ ልዋም ኣሰፋው፡ እቲ ማሕበር – ንኣድማዕነት ተልእኾኡ፡ በዚ ዓውዲ’ዚ ንዝመሃሩ ዘለዉ ዜጋታት ኣድህቦ ሂቡ ክነጥፍ ተላብያ።

ሃገራዊ ማሕበር ሞያውያን ስነምድርን መሃንድሳት ዕደናን ኤርትራ፡ ካብ 19 ሕዳር 2019 ኣትሒዙ፡ ብዝምልከቶ ቤት-ጽሕፈት መንግስቲ ወግዓዊ ተፈላጥነት ረኺቡ ኣሎ።

 

Categories