ኣብ ሓውሲ-ከተማ ጸሮና፡ ምርጫታት ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ተኻዪዱ። እታ ሓውሲ-ከተማ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ምምሕዳር ከባቢ እያ ጸኒሓ።

ብክልተ ምምሕዳራት ከባቢ ክትመሓደር ስለዝተወሰነ ከኣ፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ እትርከቦም ክልተ ኣመሓደርትን ክልተ ኣካየድቲ ስራሕን ተመሪጾም ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጸሮና ኣቶ እዮብ ተስፋሚካኤል፡ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ምርጫ ንዘርኣዮ ሱታፌ ድሕሪ ምምጓስ፡ ሓደስቲ ምሩጻት ህዝቢ ዘሰከሞም ሓላፍነትን እምነትን ብግቡእ ክፍጽሙ፡ ነበርቲ እውን ክተሓባበርዎም ኣዘኻኺሩ።

Categories