ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ብ6 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገምጊሙ።

ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሳልሕ ሙሳ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝተመዝገቡ – እቶም ልዕሊ 30 ሚእታዊት ትምህርቲ ከምዘቋረጹ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ምቊራጽ ተመሃሮ፡ ክልተ ነቑጣታት ግቡእ ንጥፈታተን ከሰላስላ ከምዘይከኣላ ዝጠቐሰ ኣቶ ሳልሕ፡ ሰበኽሳግማዊ መነባብሮ ከምኡ’ውን ዘይዕቱብ ምክትታልን ትሑት ርድኢትን፡ ካብ’ቶም ቀንዲ ምኽንያታት ምንባሮም ኣረዲኡ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ኣቶ ተኽለ መሓሪ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብሓፈሻ – ኣመሓደርቲ ከባቢ ድማ ብፍላይ፡ ዘይተማህሩ ዜጋታት ኣለልዮም ከቕርቡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ እውን፡ ተሳትፎ ኣብ ትምህርቲ ከምቲ ዝድለ ብዘይምህላዉ፡ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዘተኰረ ስራሕ ክካየድ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ኣቡበከር ምስ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ኮሚቴ ወለድን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብሕልፊ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ብኩራት ካብ ትምህርቲ ዕቱብ ኣቓልቦ ዘድልዮ ኮይኑ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

Categories