ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብሞያ ዝሰልጠኑ 173 መንእሰያት፡ ብ8 ታሕሳስ ተመሪቖም።
እቲ ሞያዊ ስልጠና፡ ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር፡ ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲን ካልእን የጠቓልል።
ብዘይካ’ዚ፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ንዝተዋጽኣ 48 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን ዘተኰረ ናይ ሰለስተ መዓልታት ስልጠና ከምእተዋህበ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።
እቲ ዕላማ፡ ዓቕሚታት መንእሰያት ንምምዕባልን ባህሊ ዓያይነት ንምዅስኳስን ምዃኑ፡ ኣብ ጨንፈር ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ውደባን ፖለቲካን ኣቶ ማሪቆስ ግርማጽዮን ገሊጹ።፡