ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓቕሚ ኣባላቱ ኣብ ምሕደራ ሓበሬታን ንዋይን ከምኡ’ውን ኣብ ስነዳ ክብ ንምባል፡ ኣብ ባጽዕ – ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ወዲቡ።
እቲ 120 ሰራሕተኛታት ዝተሳተፍዎ ትምህርቲ፡ ስርዓተ-ስነዳ፡ ምሕደራ ማዕከን ሓበሬታ፡ መሰረታውያን ሕጋጋት ምሕደራ ሰብን ንብረትን፡ ከምኡ’ውን ትምህርቲ ኮምፕዩተር ዘጠቓለለ ነይሩ።
ሓደ ሲሶ ካብ ሰልጠንቲ፡ ኣብ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ዝነጥፉ ምዃኖም ዝሓበረ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ኣሚነ ከተማ፡ ናይ ትምህርቲ ግዜ ሕጽር ዝበለ እኳ እንተኾነ፡ ሳላ ዕቱብ ጻዕሪ ኣሰልጠንትን ተገዳስነት ሰልጠንትን ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ እቲ ስልጠና፡ ኣካል ናይ’ቲ ዝተማልአ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብውልቀ-ጻዕሪ ከሀብትምዎ ኣዘኻኺሩ።