ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ናይ 2019 ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ገምጊሙ 2018/2019 ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ብ13 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ሆቴል እምባሶይራ ገምጊሙ።

ወኪል ሚኒስተር ትምህርትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ኣብ’ዚ ዓለምና ብምስፍሕፋሕ ምድረበዳነት፡ ምንካይ ሂወታዊ ብዙሕነትን ምውሳኽ ሙቐትን ተጠቒዓትሉ ዘላ እዋን፡ ኣከባቢና ንወሎዶታት ውሑስ ንምግባር፡ ብክረምታዊ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን ብዝለዓለ ይስርሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ወፍሪ ተማሃሮ ንልምዓት ኣቶ ፍትዊ ወልደጊዮርጊስ፡ ንተሳታፍነት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ዝተራእየ ብልጫታትን ሕጽረታትን ዝምልከት ብኣሃዛት ዝተሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ሎሚ ዓመት ክወፍሩ ካብ ዝተመደቡ 30 ሽሕ ተመሃሮ፡ 41 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 25 ሽሕ ከምዝወፈሩ ዝሓበረ ኣቶ ፍትዊ፡ ልዕሊ 313 ሽሕ ፈልሲታት ከምእተተኽለ፡ ልዕሊ 369 ሽሕ ንፈልሲታት ዘገልግል ጐዳጒዲ ከምእተዃዕተ፡ 240 ስ/ የ ማ ነ ኣ ብ ር ሃ ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 7 ገጽ 8 ቀስቲ ሳሮን ገጽ 9 ኣተሓሕዛን ኣከዛዝናን ኣእካል ዘይምቅዳው ቱርኪ ምስ . . . ባዕልኻ እተምጽኦ መዘዝ ስ/ ና ት ና ኤ ል ተ ኽ ለ ሽሕ ፈልስታት ከምእተዀስኰሰ፡ ሓያሎ ከትርታትን ዛላታትን ከምእተሰርሐ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ኣብ ምሕያል ኣበርክቶ መሻርኽቲ ኣካላትን ምፍታሕ ኣብ መደብ ምግራብ ዘጋጥም ብድሆታትን ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፡ እኹል ናውቲ ማእቶት ዘይብለን ዞባታት ክማልኣለን፡ ፈልሲታት ኣብ ቦታ ስራሕ ኣብ ግዜኡ ክቕረብ፡ ክግረብ ዝግብኦ መሬት ኣቐዲሙ ተለልዩ ኣብ ካርታ ክሰፍር፡ ዝተተኽለ ፈልሲታት ግቡእ ናብዮትን ምክትታልን ክግበረሉ ዝብሉ ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቦም።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ገምጋም፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታት ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ በዓልመዚ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላት መንግስትን ሃገራውያን ማሕበራትን ተሳቲፎም።

Categories