ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ካብ 20 ክሳብ 22 ሕዳር ዝቐጸለ፡ ኣብ ኣተሓሕዛን ኣከዛዝናን ኣእካል – ናይ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ኣብ ኣስመራ ወዲቡ።

ኣብ’ዚ “ትሑት ብከላ እኽሊ – ውሑድ ብኽነት እኽሊ – ርቡሕ ኣታዊ!” ንዝብል መሪሕ-ቃል ማእከል ገይሩ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝተዋህበ ናይ ሰለስተ መዓልታት ትምህርቲ፡ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብ፡ ማእከልን ዓንሰባን ዝነጥፉ 47 ክኢላታት ልምዓት ብቚሊ ተሳቲፎም።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስቴንሽን ኣቶ ሕሩይ ኣስገዶም፡ ሰልጠንቲ ፍልጠቶም ናብ መሳርሕቶምን ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ሓረስቶትን ከሰጋግሩ ኣዘኻኺሩ።

ነቲ ትምህርቲ ዝሃበ፡ ካብ ዞባዊ ቤትጽሕፈት ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ኣብ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ በዓል-መዚ ኣሃዱ ውጥንን ፖሊሲን ሚስተር ኣሌክስ ቡዘኜ፡ ዓይነት እኽሊ፡ መኼዳ፡ ምጽራይን ምንቃጽን ምህርቲ፡ ኣከዛዝና. . . ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ስፍሕ ዝበለ ኣስተምህሮ ብምቕራብ፡ ምስ ሰልጠንቲ ዘትዩሉ።

ሰልጠንቲ፡ ድሕሪ’ቲ ንክልተ መዓልታት ብምስሊ ዝተሰነየ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ኣስተምህሮ፡ ብግብሪ ንምዕዛብን ምሉእ መረዳእታ ንምውሳድን፡ ትማሊ 22 ሕዳር ኣብ መርሓኖ ኣብ ዝርከብ መርኣያ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ዑደት ኣካዪዶም።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ኣዝርእቲ ኣቶ ተስፋይ ገብረማርያም፡ እቲ ስልጠና፡ ካብ ምዝራእ ክሳብ ምሕፋስን ምኽዛንን ንዝርአ ብኽነት ኣእካል ነኪኻ፡ ቀረብ ውሕስነቱን ደረጃኡን ዝሓለወ ብቑዕ እቶት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories