ማእከል ጥዕና ኩዶ-ኣብዑር – ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ካብ 25 ጥቅምቲ ጀሚራ ብጉድለት ጽሬት ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምግታእ፡ ኣብ ነበርቲ ብሓፈሻ ኣብ ተመሃሮ ድማ ብፍላይ፡ ናይ ባህሪ ለውጢ ንምምጻእ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊጹ።

ሓላፊ’ታ ማእከል ጥዕና ነርስ በርሀ ኪዳነ፡ ጠንቂ ናይ መብዛሕትኦም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝኽሰቱ ሕማማት፡ ጉድለት ጽሬት ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብ ኣብያተትምህርቲ፡ ምምሕዳራት ከባቢን ትካላት ጥዕናን፡ ኣብ ጽሬት ዘተኰረ ጐስጓሳት ይካየድ ከምዘሎን ከም ባህሊ ንምስራጹ ጻዕርታት ከም ዝቕጽልን ኣረዲኡ።

ከም ውጽኢቱ፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብቲ ከባቢ – እናነከየ ከምዝመጸ ዝሓበረ ነርስ በርሀ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ጸቒጦም ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒሓይሊ፡ ክልተ መደበራት ጥዕናን ሓንቲ ትካል ጥዕናን ኣለዋ።

Categories