ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ኣድም ኣሕመድ (ሻግራይ)፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ 9 ሕዳር ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1968 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈን ኣብ 1970 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረን ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ኣድም፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ተዋጋኢ ሰራዊት – ካብ ተራ ክሳብ መራሒ ክፍለ ሰራዊት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ክሳብ 1994 ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ናብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት ድሕሪ ምቕያሩ ድማ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባታት ጋሽ-ባርካን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።
ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ኣድም ኣሕመድ፡ ኣቦ ሰለስተ ደቂ እዩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ 10 ሕዳር ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።
ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ-ኣድም ኣሕመድ (ሻግራይ) ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይምነ።