ቈልዑ ብኣካልን ኣእምሮን ተሃኒጾምን መሰላቶም ተሓልዩን ብሩህ መጻኢኦም ንኽወሓስ፡ ብደረጃ ሕብረተሰብ ክግበር ኣብ ዘለዎ ወፍሪ ዝዘተየ ዓውደ-ዘተ፡ ብ29ን 30ን ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ከረንተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ብኮሚተ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑን ምውጋድ ሃሰይቲ ልምድታትን ዞባ ዓንሰባ ዝተወደበ ርክብ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ተስፋጼን ግርማይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣንጻር ጎዳእቲ ልምድታትን ማሪታዊ እምነትን ብምቅላስ ጥዑይ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ተራ ነፍሲወከፍ ዜጋ ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ መሰላት ቈልዑ ብሓፈሻ መሰላት ደቂኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምርግጋጽን ጎዳእቲ ልምድታትን ኣተሓሳስባታትን ንምውጋድን ኣብ ዝተሰላሰለ መደባትን ውጽኢቱን፡ ከምኡ’ውን ጽልዋ መዛኑን ዝፈጥሮ ጸቕጥን ኣብ ዝብሉ ቀንዲ ዛዕባታት ብሰፊሑ ተዘትዩ።

ኣብ ትካላት ጥዕና ብዝተገብረ ትዕዝብታዊ መጽናዕቲ፡ መጠን ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ ካብ 2008 ክሳብ 2015 ካብ 25.6 ሚእታዊት ናብ 2.2 ሚእታዊት ከምዝወረደ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ኣፍልጦ ሕግን ዘተኰረ ዝያዳ ስራሕ ከምዘድሊ በሪሁ።

ዘይምጥርናፍ ዓድታት፡ ሕጽረት ባጀት፡ ጸገም መጐዓዝያን ምድንጓይ ጉዳያት ኣብ ኣብያተ-ፍርዲን ገለ ካብ’ቲ ብድሆታት ምዃኑ ዝጠቐሰት ኮሚተ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑን ምውጋድ ሃሰይቲ ልምድታትን ዞባ ዓንሰባ፡ ካብ 2020 ክሳብ 2024 ዝዝርጋሕ ምድላው ሃገራዊ ስትራተጂ ብልዑል ንቕሓት ክስራሓሉ ኣዘኻኺራ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣቶ መሓመድ ጃብር ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ፡ ምውጋድ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ክሽቦን ተጨቢጡ ዘሎ ዓወታት ዘተባብዕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዕማም ሸቶኡ ክሳብ ዝወቅዕ፡ ገና ሓያልን ዝተወሃሃደን ስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

Categories