ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንወፍሪ ክታበት ኣንቅጺን ምዕዳል ቪታሚን ‘ኤ’ን ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ተጻፊፉ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣሰፋው ነጋሲ፡ ብ29 ጥቅምቲ ምስ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባን ምብራቓዊ ግንባርን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ተሳትፎ ሕብረተሰብን ኣካላት መንግስትን ንምርግጋጽ ጽዑቕ ኣስተምህሮታት ከምእተዋህበ፡ ከምኡ እውን መኽተቢ ነቚጣታትን ኣብቲ ወፍሪ ዝሳተፍ ዓቕሚሰብን መሳለጥያን ከምእተዋደደ ገሊጹ።

ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ክታበት ኣንቅጺ፡ 70 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ንምሽፋን፡ ን12 ሽሕ ህጻናት ድማ ቪታሚን ‘ኤ’ ንምዕዳል ውጥን ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣሰፋው፡ 206 መኽተቢ ነቚጣታት ቈይመን – ነቲ መስመር ዘለዎ ብመካይን፡ ርሑቕ ከባቢታት ድማ ብመጽዓኛ ንምብጽሑ ዘድሊ ምድላዋት ተገይሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣብ’ተን ወፍሪ ክታበት ዝካየደለን ዕለታት፡ እቲ ካልእ መደባት ተወንዚፉ – ኩሉ ዓቕሚታትን መሳለጥያታትን ናብኡ ክቐንዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories