ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ደቡብ፡ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሚኒስትሪ ትምህርትን ሃማደኤን ብምውህሃድ፡ ብ26 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ፡ ኣብ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑን ምውጋድ ጎዳእቲ ልምድታትን ዝዘተየ ርክብ ወዲቡ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሃይለ ገብረሚካኤል፡ እቲ ዕላማ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ንምውጋድን መሰላት ቈልዑ ንምሕላውን፡ ብምውህሃድ ሚኒስትሪታት ጥዕናን ትምህርትን ከምኡ’ውን ሃማደኤን ምምሕዳራትን ዝትግበሩ መደባት ንምሕያል ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኮሚተታት ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ፡ ምውጋድ ምኽንሻብ ደቂኣንስትዮ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ካልኦት ጎዳእቲ ልምድታትን፡ ጸብጻባት ዘሰላሰላኦ ጎስጓሳትን ኣብ መስርሕ ዘጋጠመን ብድሆታትን ኣቕሪበን።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሴ፡ ኣገደስቲ ሓሳባት ከምዝቐረቡ ብምርግጋጽ፡ ዘሎ ጸጋታት ብምውህሃድ ንዝያዳ ኣድማዕነት ክስራሕ ተላብዩ።

Categories