ኤርትራውያን ነበርቲ ፍራንክፈርትጀርመን፣ ልዋንዳን ሉባንጎን-ኣንጎላ፣ ካምፐን፡ ዝዎለን ኣመርስፎርትን-ሆላንድ፣ ጁባ-ደቡብ ሱዳን – ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም።
በዚ መሰረት፡ ኣባላት ህግደፍ ንኡስ ጨንፈር ማእከል ጀርመን፡ ዓመታዊ ኣኼባኦም ብ26 ጥቅምቲ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣቃኒዖም።
ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ነዚ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው፡ ኣብ ረብሓ ሃገር ንምውዓሉ፡ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ውዳቤታት ህግደፍ ድማ ብፍላይ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።
ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ንፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ንጥፈታት’ቲ ጨንፈር ዝገልጽ ጸብጻብ ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።
ኣብ ኣንጎላ ድማ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ኣብ ልዋንዳን ሉባንጎን ንዝነብሩ ኤርትራውያን ሰሚናር ኣካይዱሎም።
ህንጸትን ልምዓትን ሃገር፡ ውህደት ዓቕሚታትን ተሳታፍነትን መንግስትን ዜጋታትን ዝጠልብ ስለዝኾነ፡ ጸጋታቶም ናብ ሃገሮም ከቕንዑ ኣምባሳደር ሳልሕ ኣዘኻኺሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣቶ ነጋሲ ካሳን ቈንስል ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ኣቶ ሰለሙን መሓሪን፡ ብ27 ጥቅምቲ ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ካምፐን፡ ዝዎለን ኣመርስፎርትን ሰሚናር ኣካይዶም።
ዜጋታት፡ ቀዳሞት ተረባሕቲ ናይ’ዚ ትስፉው መድረኽ ክኾኑ፡ መንግስቲ ኣበጋጊስዎ ንዘሎ ናይ ወፍሪ ዕድላት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።
ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን ብወገነን፡ ብ26ን 27ን ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት መንፈቓዊ ኣኼባ ብምቅናዕ፡ ኣብ ናይ ዝቕጽል ሽድሽተ ኣዋርሕ ውጥን ስራሕ ዘትየን።
ኣብ ጁባ ድማ፡ ብ27 ጥቅምቲ ንኣባላት ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ፡ ኣብ ስነ-ቁጠባ ሞያዊ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።
እቲ ኣስተምህሮ፡ ተራ ውልቀ-ሰባት ኣብ ምምዕባል ቁጠባ ሃገር፡ ባንክታትን ተራኦም ኣብ ቁጠባ ሃገርን፡ ወፍርን ኣገዳስነቱ ኣብ ቁጠባን. . . ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ዘተኰረ ነይሩ።