ኣብ ከተማ ሰንዓፈ፡ ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብ28 ጥቅምቲ ተጸምቢሉ።
ሓላፊት ማሕበር ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ወይዘሮ ኣፍራሕ ዓሊ፡ ሃማደኤ ዝተበገሰሉ ዕላማ ንምዕዋት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንደቂ-ኣንስትዮ ብምንቃሕን ምውዳብን ኣተባባዒ ስራሕ የሰላስል ከምዘሎ ገሊጻ።
ከም ውጽኢት ጻዕሪ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ምዕሩይ ተሳታፍነተን ዘረጋገጻሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብማዕረ ዝረብሓሉ ባይታ እውን ከምእተፈጥረ፡ ዝሓበረት ወይዘሮ ኣፍራሕ፡ ንዝለዓለ ወጽኢት ዝያዳ ስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚባ።
ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ ሃብተ ኪዳነ፡ ዓወታት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዘዂርዕ ሃገራዊ ታሪኽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተካእቲ መንእሰያት ንምምልማል ብዕቱብ ክስራሕ ተላብዩ።