ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ዮውሃንስ (ወዲ ሃንስ)፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ መበል 67 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ሃገረ ፊላንድ ተሰዊኡ።
ኣብ 1972 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ፡ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ክሳብ መራሒ ብርጌድ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ከም ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኮይኑ ብተወፋይነት ንህዝቡን ሃገሩን ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 1994 ተጣዪሱ ውልቃዊ ሂወቱ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓርበኛ እዩ።
ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ዮውሃንስ (ወዲ ሃንስ)፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሎሚ 1 ሕዳር ፍርቂ-መዓልቲ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ዮውሃንስ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይምነ።