ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደበን ንሃገራት ምብራቕን ሰሜንን ኣፍሪቃ ዘጠቓልልን፡ ኣብ መሰላትን ድሕነትን ቈልዑ ዘተኰረ ዞባዊ ዓውደ-ዘተ፡ ካብ ትማሊ 31 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ‘ኣስማራ ፓላስ’ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ‘ኣጀንዳ ቈልዑ ኣፍሪቃ 2040’ ንኣባል ሃገራት ንምልላይ ዝዓለመ ናይ ክልተ መዓልታት ዓውደ-ዘተ፡ ኤርትራ፡ ደሞክራስያዊት ዓረባዊት ሪፓብሊክ ሰሃራ፡ ሶማልያ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሞሮኮን፡ ከምኡ’ውን ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ውድባትን ማሕበራትን ይሳተፉ ኣለዋ።

ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪላ ቃል ዘስመዐት ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ኤርትራ ንዓለም-ለኻዊ ውዕል መሰላት ቈልዑ ናጽነታ ብወግዒ ድሕሪ ምእዋጃ ፈለማ ከምዝኸተመትሉ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም ንቻርተር ህጻናት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምጽዳቕ ድማ፡ ዕቱብነታ ኣብ’ቲ ጉዳይ ደጊማ ከምዘረጋገጸት ብምጥቃስ፡ ኣብ’ቲ ጽንኩር እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ እንተኾነ እውን፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ስ/ ሳ ል ሕ ዓ ብ ደ ል ቃ ድ ር ንመሰላት ቈልዑ ቀዳምነት ብምሃብ ብዕቱብ ከምዝሰርሓሉ ኣረዲኣ። ንኮሚተ ክኢላታት መሰላትን ድሕነትን ቈልዑ ኣፍሪቃ ከኣ፡ ስለ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ሞጒሳ።

ኣደ-መንበር ኮሚተ ክኢላታት መሰላትን ድሕነትን ቈልዑ ኣፍሪቃ – ሚሲስ ናኒኪየ ንክወ ብወገና፡ እዚ ኣገዳሲ ዓውደ-ዘተ ኣብ ኤርትራ ንምቅናዑ ብመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዝተራእየ ድልውነት ድሕሪ ምምስጋን፡ ዕላማኡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ኣባል ሃገራትን መሻርኽቲ ኣካላትን ኣብ ‘ኣጃንዳ 2040’ ንምብራኽ ምዃኑ ሓቢራ። ከም መድረኽ ምልውዋጥ ተመኵሮ ኣብ መንጎ ሃገራት ምብራቕን ሰሜንን ኣፍሪቃ ከገልግል ድማ እምነታ ገሊጻ።

ኣባላት ኮሚተ ክኢላታት ድሕነትን መሰላትን ቈልዑ ኣፍሪቃ፡ ን‘ኣጀንዳ 2040’ ምርኵስ ብምግባር፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ክወቕዓኦም ኣብ ዝግብአን ዕላማታት ዘተኰረ – ብስእልን ኣሃዛትን ዝተሰነየ ወረቓቕቲ ኣብ ርእሲ ምቕራብ፡ ተመኵሮ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ’ቲ ጉዳያት ኣካፊሎም።

‘ኣጀንዳ ቈልዑ ኣፍሪቃ 2040’፡ ብኣባል ሃገራት ክትግበሩ ዘለዎም፡ ብቐንዱ ኣብ መሰላትን ድሕነትን ቈልዑ ዘተኰሩ ዓሰርተ መምርሒታት ዝሓዘ እዩ።

Categories