ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ንኣልማዕቲ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ንጥፈታቶም ዝሕግዞም ስልጠና ሂቡ።
እቲ ካብ 17 ክሳብ 20 ጥቅምቲ ብግብሪ ተሰንዩ ኣብ ሓልሓል ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ኣተዓቓቕባ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ኣብ ውሁድ ምክልኻል ባልዓትን ሕማማትን ዘተኮረ እዩ።
ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ዓንሰባ ክኢላ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ኣቶ ከሰተ ጐይትኦም፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብ120 ሓረስቶት ዝለምዕ 140 ሄክታር ኣሕምልቲን 40 ሄክታር ፍረታትን ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ መጻኢ ምሩጽ ዘርኢ ኣሕምልቲ ክዕድሎም ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።