ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ትማልን ሎምን (25-26 ጥቅምቲ)፡ 4ይ ጉባኤኡ ኣብ ኣስመራ የቃንዕ ኣሎ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ በብዞባኡ ዝተወከሉ ጉባኤኛታትን ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽቡሉ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ናይ ክብሪ ዕድምቲ – ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፡ እዚ ፍጻመ’ዚ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዜጋታታ ርእሶም ኣቕኒዖም ዝምርሹላ ናጻን ብልጽግቲን ኤርትራ ክዉን ንምግባርን ልኡላውነት ንምውሓስን ዝተኸፍለ ዋጋ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዓንኬል ናይ’ዚ ከም ሃገርን ህዝብን ንኽንህሉ ዝሓለፍናዮ መድረኽ ኣእቲኻ ምርኣዩ ከምዝግባእ ኣገንዚባ።

ሚኒስተር ልኡል፡ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት – ዝርካቡ ዓቕሙ ብውሕሉል መንገዲ ወዲቡን ኣመቓሪሑን ብዘሳለጦ ዕዮ ዮሃና! ድሕሪ ምባል፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ኣገልግሎታት ንምምዕባል ዘካይዶ ጻዕሪ፡ ሓርበኛታት ስንኩላን ብጻማ ረሃጾም ዝነባበሩሉ መደባት ብዝለዓለ ክቕጽሎ እምነታ ገሊጻ።

ኣቦ-መንበር ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ መምህር ገብረብርሃን እያሱ፡ ኣብ ቀረብ ናይ ኣካል ድጋፍን ጥዕና ኣባላትን፡ ባዕላዊ ሽቕለት ንምፍጣር ዝተወስደ ተበግሶታት፡ ዕድመን ስንክልናን፡ ጉዳይ ስንኩላን ደቂ-ኣንስትዮን ደረጃታት ስንክልናን፡ ህንጻውን ትሕተቅርጻውን ብድሆታት፡ ጸገም መጐዓዝያን ካልእ መዳያትን ዘጠቓለለ፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ መግለጺ ሂቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ፡ ሃገራዊ ማሕበር ጽሙማን ኤርትራ፡ ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ዝሕታለ፡ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዖም።

ራብዓይ ጉባኤ ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ፡ ኣብ ዝተመሓየሸ ቅዋም ማሕበር ድሕሪ ምዝታይን፡ መስርሕ ምምራጽ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ ምክያድን፡ ብኣገደስቲ ውሳነታትን ለበዋታትን ክወጽእ ትጽቢት ይግበር።

ሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ብሰናይ ድሌትን ተበግሶን መንግስቲ ኤርትራ – ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1993 ዝቘመ ናጻን ዘይመንግስታውን ማሕበር እዩ።

Categories