ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ትማሊ 31 ጥቅምቲ፡ ኣባላቱ ዝግልገሉሉ ሓድሽ ማእከል ምውስዋስ ኣካላት-‘ጂምናዝዩም’ ኣመሪቑ።

ነዚ ብደገፍ መሻርኽቲ፡ ዘመናዊ መሳለጥያታት ዓጢቑ ዘሎ ማእከል ኣብ ምቛም፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ጀርመን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ-ንኡስ ዞባ ገጀረት ተኸፊቱ ዘሎ ማእከል፡ ንኣገልግሎት ምውስዋስ ኣካላትን ፊዝዮቴራፒን ዝውዕል ዝተፈላለየ ዓይነት መሳርሒታትን ኣገልግሎት መሕጸቢ ሰብነት ዝህብ ክፍልታትን መሳለጥያታትን የጠቓልል።

ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ – ኣማኻሪ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ረዘነ መብራህቱ፡ እቲ ማእከል – ምህናጽ ኣካላዊ ብቕዓት፡ ምክልኻል ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ምሕያል ርክባትን ዝምድናን ዘጠቓልል ረብሓታት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገጀረት ኣቶ ሃይለ መለስ፡ ነቲ ማእከልን ዝህቦ ኣገልግሎትን ንምምዕባል፡ ደገፍን ምትሕብባርን ከምዝገብሩ ኣረጋጊጹ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ እውን ኣብ ከረንን መንደፈራን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከላት ናይ ምኽፋት መደብ ሒዙ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ፡ ካብ’ቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories