ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣብ ጀርመን ካብ ዝርከብ ጨንፈሩ – ንኣገልግሎት ‘ክሊኒክ መዓስከር ደንደን’- ኣስመራ ዝውዕል ዝተፈላለየ ዓይነት ንብረት ብሓገዝ ረኺቡ።
እቲ ብ29 ጥቅምቲ ዝተረከበ ንብረት፡ 4 ፍሪጅ፡ 4 እቶን-ጋዝ፡ 8 ምድጃ፡ 4 መሕጸቢ ክዳን ማሽን፡ መቐመጢ ናውቲ ክሽነ ከብሒን ካልእን ይርከቦ።
ሓላፊ ናይ’ቲ ጨንፈር ኣብ ጀርመን ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ንብረት፡ ካብ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ባብሊንገንን ከባቢኣን ዝተበርከተ ምዃኑ ገሊጹ።
ሓላፊ ክሊኒክ መዓስከር ደንደን – ክኢላ ፊዝዮተራፒ ሲራክ ገብረመስቀል፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ ኣብ ስራሖም ኣዝዩ ከምዝሕግዞም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከቡ ዜጋታት ንዝገብሩዎ ሓገዛት ኣመስጊኑ።
ኣብ’ቲ ናይ ምርኽኻብ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ – ሓለፍቲ ጨናፍር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣብ ሽወደንን ሆላንድን፡ ኣቶ ተኸስተ ፍስሃየን ኣቶ ዮውሃንስ መብራህቱን፡ ንሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ምድጋፍ – ነቲ ማሕበር ወይ ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ስለዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ግዱሳት ዜጋታት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ጸዊዖም።
ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እውን፡ ናይ ሕክምና ዓራውትን ፍርናሻትን፡ መራዅስን ዓረብያታትን፡ ብሽክለታታት፡ ከምኡ’ውን ካልእ ኣብ ኣገልግሎት ኣባላቱ ዝውዕል ሕክምናዊ ናውቲ ክረክብ ምጽንሑ ይፍለጥ።