ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት – ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዓገት፡ ቀጣሪት፡ ክብክብን ከተማ ኣፍዓበትን ዝተሃንጻ ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣገልግሎት ጀሚረን።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ እውን ኣብ ቅላመት ከምዝጀመረ ሓቢሩ።

ኣብ ሆስፒታል ኣፍዓበት ሕክምና ስኒ ከም እተጀመረ፡ ሰፊሕ ክታበት ቈልዑን ጥቡቕ ምክትታል ነብሰ-ጾራትን ከምእተኻየደ እውን ገሊጹ።

ሓኪም ስኒ መንእሰይ እስማዒል ጣህር፡ ምጅማር ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ፡ ምስቲ ቅድሚኡ ዝጀመረ ሕክምና ዓይኒን ካልእ ኣገልግሎታት ጥዕናን ተደሚሩ፡ ዜጋታት ብቐረባ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክረኽቡ ተኻኢሉ ምህላዉ ኣረዲኡ።

Categories