ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት – ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዓገት፡ ቀጣሪት፡ ክብክብን ከተማ ኣፍዓበትን ዝተሃንጻ ሓደስቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣገልግሎት ጀሚረን።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ኖር ረጀብ፡ ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቲ እውን ኣብ ቅላመት ከምዝጀመረ ሓቢሩ።
ኣብ ሆስፒታል ኣፍዓበት ሕክምና ስኒ ከም እተጀመረ፡ ሰፊሕ ክታበት ቈልዑን ጥቡቕ ምክትታል ነብሰ-ጾራትን ከምእተኻየደ እውን ገሊጹ።
ሓኪም ስኒ መንእሰይ እስማዒል ጣህር፡ ምጅማር ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ፡ ምስቲ ቅድሚኡ ዝጀመረ ሕክምና ዓይኒን ካልእ ኣገልግሎታት ጥዕናን ተደሚሩ፡ ዜጋታት ብቐረባ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክረኽቡ ተኻኢሉ ምህላዉ ኣረዲኡ።