ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ተሳትፎ ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ክብ ንምባል፡ ኣበርክቶ ወለዲ ክዓዝዝ፡ ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣተሓሳሲቡ።

ብሕልፊ ኣብ ጎቦታት ኣብ ዝተደኰና ዓድታት፡ ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከምቲ ዝድለ ከምዘይኮነ፡ ኣውራ ናይ ደቂኣንስትዮ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ዑስማን፡ ገስጋስ ትምህርቲ ንምሕያል ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ተሳታፍነት ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ ተላብዩ።

ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ መጐዓዝያን መራኸቢታትን ተዋዲዱ ከምዘሎ፡ እዚ ድማ ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ለውጢ ከምዘምጽአ ዝሓበረ ኣቶ ዑስማን፡ ኣብ ምሕዱግ ከባቢታት ዝርከባ ዓድታት ተጠቀምቲ ክኾና፡ ኣብ ማእከላይ ቦታ ዝድኰናሉ ባይታ ምጥጣሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ጠንቂ ትሑት ተሳትፍነት ኣብ ትምህርቲ ክልለ፡ ኣገልግሎት ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ክሳብ ርሑቕ ከባቢታት ክባጻሕ. . . ዝብልን ካልእን ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Categories