ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ላዕላይ-ጋሽ፡ ሻምብቆን ሞልቊን፡ ኣበርክቶኦም ኣብ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ ኣብ ምምላእ ሕጽረታት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድማ ብፍላይ ንምዕዛዝ፡ ድልውነቶም ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥቅምቲ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ዘካየዱዎ ርክባት፡ ኣብ ኣገልግሎታት መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ ቀረብ ጽሩይ ማይ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ከምኡ እውን ኣብ ኣገልግሎታት ትምህርትን ጥዕናን ጸገማት ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ መስመር ባረንቱ-መንደፈራ፡ ከባቢ ጎቦ ኣሾሺ ዝርከብ ጽርግያ ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳትን ዝሓታኦ ዘለዋ ታሪፍን ምቊጽጻር ክግበረሉ ድማ ተላብዮም።

ናይ ሎም-ዘመን ክራማት ዝምስገን እኳ እንተነበረ፡ ዘራእቲ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ከምዘይኮነ ዝሓበሩ’ቶም ነበርቲ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ እላላ፡ ግርመን ሸሃተን ሓሓሊፉ ተራእዩ ዘሎ ሕማማት እንስሳ-ዘቤት፡ ቅልጡፍ ፍታሕ ክናደየሉ ሓቲቶም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምግራብ፡ ምጽጋን ጽርግያታትን ምምሕያሽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ እቶም ብቐዳምነት ዝስራሓሎም ምዃኑ ብምሕባር፡ ዘለዉ ጸገማት ደረጃ ብደረጃ ክፍትሑ ምዃኖም ገሊጹ።

Categories