ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከልን፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ዝግምግም ኣኼባታት ኣካዪደን።
ብ24ን 25ን ጥቅምቲ ብደረጃ ዞባ ደቡብ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019፡ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – ብ3 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ተሓቢሩ።
ኣወሃሃዲ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ኣብቲ ዞባ፡ መምህር ኣስመሮም ሰሲኖስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ልዕሊ 17 ሽሕ ተመሃሮ ናይ 94 ኣብያተ-ትምህርቲ ከምእተፈተኑ፡ 60 ሚእታዊት ድማ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ከምዝሓለፉ ገሊጹ።
ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ ብወገኑ፡ ውጽኢትን ብቕዓትን ተመሃሮ ንምምሕያሽ፡ ጻዕርን ውህደትን መማህራንን ወለድን ዝያዳ ክዓዝዝ ብምዝኽኻር፡ ሕብረተሰብ – ንመማህራን ብምትብባዕን ተወሰኽቲ ክፍልታት ብምህናጽን፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ሞጒሱ።
ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ብወገኑ – ብ25ን 26ን ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ገምጋም፡ ኣብ ሃገራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ልዕሊ 13 ሽሕ ተመሃሮ፡ እቶም 72.5 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ፡ እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – ብ1.6 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተሓቢሩ።
ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር በላይ ሃብተጋብር፡ እቲ ገምጋም፡ ዝነበረ ድኻማት ብምልላይ ናብ ፍታሕን ውጽኢትን ዘድሃበ ዕዮ ንምቕናዕ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።