ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብምውህሃድ ክፍሊ ኣገልግሎት ቱሪዝምን ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኤርትራን፡ ምስ ምምራሕ ኣጋይሽ ናብ ቱሪዝማዊ ቦታታት ዝተተሓሓዘ – ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ተዋሂቡ።
እቲ ኣስተምህሮ፡ ምስ ኣምር ቱሪዝማዊ ዑደት፡ መስርሕ ስርዓተ-ምብህሃል፡ ቱሪዝማዊ ጸጋታትን ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ’ውን ትሕዝቶ ቅርስታትን ታሪኻውያን ቦታታትን ዘላሊ እዩ ነይሩ።
ብ25 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ኣገልግሎት ቱሪዝም ዞባ ማእከል፡ ወይዘሮ ልያ ገብረኣብ፡ እቲ ስልጠና – ኣፍልጦ ኣባላት ማሕበር ብሓፈሻ፡ ናይ ወከልቲ ኣገልግሎት ጉዕዞ ድማ ብፍላይ ክብ ኣብ ምባል ሓጋዚ ብምዃኑ፡ ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽሎ ኣዘኻኺራ።
ኣቦ-መንበር ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኤርትራ፡ ኣቶ ሰለሙን ኣብርሃ፡ እቲ ትምህርቲ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ኣብ ምምራሕ ኣጋይሽ ንዘሎ መባእታዊ ኣፍልጦ ንምሕያል ምዃኑ ገሊጹ።