ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ካብ 8 ሓምለ ክሳብ 10 ነሓሰ ብወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ዝተሰርሐ ስራሓት ውጽኢታዊ ምንባሩ፡ ብ23 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገምጊሙ።

ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ መደብ መምህር ተስፋሂወት ግደ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ካብ 21 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ – ልዕሊ 4600 ተመሃሮ፡ ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዝቘማ 47 ነቑጣታት ተዋፊሮም ከምዝነጠፉ ሓቢሩ።

ንጥፈታቶም፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምትካል ፈልሲታት፡ ምጽጋን ሰደቓታት ኣብያተ-ትምህርቲን ጽርግያታትን ዘተኰረ ምንባሩ፡ ኣስታት 90 ሽሕ ፈልሲታት ኣግራብ ከምዝተኸሉ፡ 500 ኪሎ-ሜተር ቅናታዊ ዛላን ልዕሊ14 ሽሕ ሜተር ኲብ ከትርታትን ከምዝሰርሑ ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ውህደት ምምሕዳራት፡ ትካላት ጥዕናን ኣብያተጽሕፈት ሕርሻን፡ ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ ዕዙዝ ተራ ከምዝነበሮ ብምሕባር፡ እቲ ወፍሪ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝያዳ ሰረት ከምዝሕዝ ንምግባር ክስራሓሉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ንጥፈታት – ብመንጽር ውጽኢቱን ኣብ ባይታ ዘምጸኦ ለውጢን ብደቂቕ ክግምገም ብምትሕስሳብ፡ ሕጽረት መሳርሒታት ማእቶትን ሓለዋ ኣግራብን እውን ክሕሰበሉ ተማሕጺኖም።

Categories