ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆን ምምሕዳር ከባቢ ብሹኳን፡ ናብ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆን ብሹኳን ዘእቱ ብክራማት ዝተበላሸወ ጽርግያ ብወፈራ ጸጊኖም።

እቲ – ኣብ’ቲ ከባቢ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ሰራሕተኛታት መንግስትን ብምውህሃድ ዝተተግበረ ስራሕ፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት ምዃኑ ዝጠቐሰ – ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራት፡ ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ዘጋጥም ጸገማት ንምቅላል፡ ተበግሶታቱ ከዕዝዝ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ብሹኳ ኣቶ ተስፋሂወት በርሀ፡ ኣብ’ቲ ወፈራ – ኣስታት 700 ሰባትን ሸውዓተ ናይ ጽዕነት መካይንን ከምእተሳተፉ ሓቢሩ።

Categories